ዳኒኤል ገብረጊዮርጊስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ተመሃራይ 12 ክፍሊ’ዩ ዘሎ። ዳኒኤል ካብ ብቖልዕኡ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርአ ሕጽረታት ንምቅላል ክምህዝን ከመሓይሽን ምጅማሩ’ዩ ዝነግር። ኣብቲ ብዙሕ ቀረባት ዘይርከቦ ገጠራት ተወሊዱ ዝዓበየ ዳኒኤል፡ ናይ ፈለማ ምህዞታቱ ንመዓልታዊ ህይወቱ ንምቅላል ከም ዝነቐለ ክገል ...